ኣካላት፡ ጥዕናን ጾታውነትን ብዝተፈላለየ ቋንቋታት

ጻግነ

Menstruation

ብዛዕባ እዚ ፊልም

ጻግነ ንኣዋልድን ኣንስትን ኣብ ነፍስ ወከፍ ወርሒ ዝመጸን ካብ ርሕሚ ዝወጽእ መድመይቲ እዩ። ኣብዛ ፊልም፡ ጻግነ እንታይ ምዃኑ፡ ኣየኖት መከላኸሊ ጻግነ ክትጥቀሚ ከም ትኽእልን፡ ጻግነ ኣብ ዝመጻኪ እዋን ቃንዛ ምስ ዝህልወኪ እንታይ ክትገብሪ ከም እትኽእልን ክትፈልጢ ኢኺ። ከምኡ’ውን ኣበየናይ ግዜ ናይ ወርሒ ጥንሲ ክትሕዚ ከም ትኽእሊ ሓበሬታ ክትረኽቢ ኢኺ።

ድሕሪ ፊልም ክትሓስብሉ ዘለኪ ሕቶታት

  1. ኣብዚ ፊልም ንኽትመሃሮ ብፍሉይ ኣገዳሲ እዩ ትብልዮ ኣሎ ድዩ?
  2. ጻግነ ወይ ወርሓዊ ጽግያት ክርኣየኪ ከሎ ኣካላትኪ ከምቲ ዝድለ ይሰርሕ ኣሎ ማለት እዩ። ጻግነ ርስሓት ወይ ሕማም ኣይኮነን። ኣብ ሕብረተሰብ ብዛዕባ ጻግነ ብኸመይ ንዛረብ? ብዛዕባ ጻግነ ምዝራብ ቀሊል’ዶ ከቢድ ኮይኑ ይስምዓኪ? እንታይ እዩ ዝቐለለ ወይ ዝኸበደ ዝገብሮ?
  3. ኣብ ቀረባኺ ዘለዉ ሰባት ብዛዕባ ጻግነ እንታይ ክፍልጡ ትደልዪ?

ብዛዕባ እቲ ዝርኣካዮ ፊልም ክትዛረብ ትደሊ’ዶ?

ብዛዕባ እቲ ፊልም ምስ ካልእ ሰብ ምዝራብ ኣገዳሲ ኮይኑ ከም ዝስምዓካን ሓድሽ ርድኢት ክህበካን ይኽእል እዩ። ምናልባት ኣብ ክንዲ በይንኻ ኴንካ ትሓስበሎም ምስ ካልኦት ክትዘራረበሎም ጽቡቕ ዝኾኑ ሕቶታትን ሓሳባትን ይህልወካ ይኸውን።  ዘለዉና ሕቶታትን ሓሳባትን ንሓድሕድና ብምክፋልን ብምስምማዕን፡ ሓቢርና ደገፍ ክንረክብን ክንመሃርን ንኽእል ኢና።

ጕጅለ ኣቑምካ ብዛዕባ እዞም ፊልምታት ክትዛረቡ ትደሊ ዲኻ? ኣብዚ ከመይ ክትገብር ከም ትኽእል ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።

ተዛመድቲ ፊልምታት

ኵሉ ፊልምታት ኣርኢ