ኣካላት፡ ጥዕናን ጾታውነትን ብዝተፈላለየ ቋንቋታት

ጕብዝና / ጕርዝውና

Puberty

ብዛዕባ እዚ ፊልም

ኣብ እዋን ጕብዝና/ጕርዝውና ኣካላት ካብ ናይ ቈልዓ ናብ ናይ በጽሒ ሰብ ይምዕብል። ንኣብነት ኣብ ከባቢ ብልዕቲ ጸጉሪ ይበቁልን ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ብዝያዳ ክትሓስብ ትጅምርን። ኣዋልድ ናይ መጀምርታ ጽግያተን ይርኣየን፡ ኣወዳት ድማ ንመጀመርታ ግዜ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ የፍስሱ። እዚ ጓለንስተይቲ ክትጠንስ ትኽእል ወዲ ተባዕታይ ድማ ከጥንስ ይኽእል ማለት እዩ። ኣብዛ ፊልም ኣብ እዋን ጕብዝና/ጕርዝውና ኣካላትን ስሚዒታትን ብኸመይ ከም ዝቀያየሩን ሕቶታት ወይ ሓሳባት ምስ ዝህልወካ ምስ መን ክትራኸብ ከም እትኽእልን ክትፈልጥ ኢኻ። 

ድሕሪ ፊልም ክትሓስብሉ ዘለኪ ሕቶታት

  1. ነዚ ፊልም ክትርኢ ከለኻ ሓድሽ ነገር ትምሃር ኣለኻ’ዶ?
  2. ብዙሓት ኣብ እዋን ጕብዝና/ጕርዝውና ብዛዕባ ድልየት ጾታዊ ርክብን ግብረ ሕቡእን ይፈልጡ። ሓደ ሓደ ሰባት ግብረ ሕቡእ ሓደገኛ ወይ ሕማቕ ምዃኑ ተማሂሮም እዮም። እዚ ልክዕ ኣይኮነን። ብዛዕባ ግብረ ሕቡእ እንታይ ኣወንታዊ ነገር ኣሎ?
  3. ኣብ እዋን ጕብዝና/ጕርዝውና ብዙሓት ዝተፈላለዩ ስሚዒታት ክለዓሉ ይኽእሉ እዮም። እዞም ስሚዒታት ኣየኖt ክኾኑ ይኽእሉ? ንሓደ ጕብዝና ዝኸበዶ ሰብ ብኸመይ ክትሕግዞ ትኽእል? ኣካላቱ ምስቲ ንሱ ዝስምዖ ጾታ ብዘይሰማማዕ መንገዲ ከም ዝቕየር ዘሎ ኮይኑ ንዝስምዖ ሰብ ብኸመይ ክትሕግዞ ትኽእል?

ብዛዕባ እቲ ዝርኣካዮ ፊልም ክትዛረብ ትደሊ’ዶ?

ብዛዕባ እቲ ፊልም ምስ ካልእ ሰብ ምዝራብ ኣገዳሲ ኮይኑ ከም ዝስምዓካን ሓድሽ ርድኢት ክህበካን ይኽእል እዩ። ምናልባት ኣብ ክንዲ በይንኻ ኴንካ ትሓስበሎም ምስ ካልኦት ክትዘራረበሎም ጽቡቕ ዝኾኑ ሕቶታትን ሓሳባትን ይህልወካ ይኸውን።  ዘለዉና ሕቶታትን ሓሳባትን ንሓድሕድና ብምክፋልን ብምስምማዕን፡ ሓቢርና ደገፍ ክንረክብን ክንመሃርን ንኽእል ኢና።

ጕጅለ ኣቑምካ ብዛዕባ እዞም ፊልምታት ክትዛረቡ ትደሊ ዲኻ? ኣብዚ ከመይ ክትገብር ከም ትኽእል ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።

ተዛመድቲ ፊልምታት

ኵሉ ፊልምታት ኣርኢ