
ጻግነ
Menstruation
ኣብ እዋን ጕብዝና/ጕርዝውና ኣካላት ካብ ናይ ቈልዓ ናብ ናይ በጽሒ ሰብ ይምዕብል። ንኣብነት ኣብ ከባቢ ብልዕቲ ጸጉሪ ይበቁልን ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ብዝያዳ ክትሓስብ ትጅምርን። ኣዋልድ ናይ መጀምርታ ጽግያተን ይርኣየን፡ ኣወዳት ድማ ንመጀመርታ ግዜ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ የፍስሱ። እዚ ጓለንስተይቲ ክትጠንስ ትኽእል ወዲ ተባዕታይ ድማ ከጥንስ ይኽእል ማለት እዩ። ኣብዛ ፊልም ኣብ እዋን ጕብዝና/ጕርዝውና ኣካላትን ስሚዒታትን ብኸመይ ከም ዝቀያየሩን ሕቶታት ወይ ሓሳባት ምስ ዝህልወካ ምስ መን ክትራኸብ ከም እትኽእልን ክትፈልጥ ኢኻ።
ብዛዕባ እቲ ፊልም ምስ ካልእ ሰብ ምዝራብ ኣገዳሲ ኮይኑ ከም ዝስምዓካን ሓድሽ ርድኢት ክህበካን ይኽእል እዩ። ምናልባት ኣብ ክንዲ በይንኻ ኴንካ ትሓስበሎም ምስ ካልኦት ክትዘራረበሎም ጽቡቕ ዝኾኑ ሕቶታትን ሓሳባትን ይህልወካ ይኸውን። ዘለዉና ሕቶታትን ሓሳባትን ንሓድሕድና ብምክፋልን ብምስምማዕን፡ ሓቢርና ደገፍ ክንረክብን ክንመሃርን ንኽእል ኢና።
ጕጅለ ኣቑምካ ብዛዕባ እዞም ፊልምታት ክትዛረቡ ትደሊ ዲኻ? ኣብዚ ከመይ ክትገብር ከም ትኽእል ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።