ኣካላት፡ ጥዕናን ጾታውነትን ብዝተፈላለየ ቋንቋታት

ጾታዊ ርክብ ከቘንዙ ከሎ

When sex hurts

ብዛዕባ እዚ ፊልም

እዛ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ከቘንዙ ከሎ እትገልጽ ፊልም፡ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ዘቘንዙ እንተ ኾይኑ እንታይ ክትገብሪ ከም እትኽእሊ እትገልጽ እያ። ከም’ውን መበገሲ ናይቲ ቃንዛ ንኣብነት ጾታዊ ርክብ ክትፍጽሚ ስለ ዘይትደልዪ ወይ ስሚዒትኪ ኣጸቢቝ ስለ ዘይተላዕለን ዘይጠለልክን ድዩ ካልእ እንታይ ምዃኑ ክትፈልጢ ኢኺ። ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ከም ዘቘንዙ ዝገብሩ ሕማማት እውን ኣለዉ እዮም።

ድሕሪ ፊልም ክትሓስብሉ ዘለኪ ሕቶታት

  1. ኣየኖት ክፋላት ናይዚ ፊልም እዮም ንኽትሓስበሎም ብዝያዳ ሰሓብትን ኣገደስትን ትብሎም?
  2. ጾታዊ ርክብ ካብ ብቐጥታ ጾታዊ ኣካላት ርክብ ምግባር ጥራይ ንላዕሊ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ጾታዊ ኣካላት ርክብ ኣብ ዝገብረሉ እዩ ቃንዛ ዝገብር። ብጀካ ርክብ ናይ ጾታዊ ኣካላት ካልእ እንታይ ዓይነት ጾታዊ ርክብ ትገብረሉ መንገድታት ኣሎ?  ጾታዊ ርክብ ኣብ ትገብረሉ እዋን ዘቐንዝወካ ምስ ዝኸውን፡ ክትረኽቦ እትኽእል እንታይ ሓገዝ ኣሎ?
  3. ቃንዛ፡ ኣካላትና ገለ ነገር ጽቡቕ ከም ዘየለ ዝነግረና ኣገባብ እዩ። መጻምድትኻ ጾታዊ ርክብ ምግባር የቐንዝወኒ እዩ ክትብለካ ከላ ከመይ ክስምዓካ ይኽእል? ከም መጻምድቲ ናይ ሓንቲ ቃንዛ ዝገብረላ መጠን እንታይ ክትገብር ትኽእል?

ብዛዕባ እቲ ዝርኣካዮ ፊልም ክትዛረብ ትደሊ’ዶ?

ብዛዕባ እቲ ፊልም ምስ ካልእ ሰብ ምዝራብ ኣገዳሲ ኮይኑ ከም ዝስምዓካን ሓድሽ ርድኢት ክህበካን ይኽእል እዩ። ምናልባት ኣብ ክንዲ በይንኻ ኴንካ ትሓስበሎም ምስ ካልኦት ክትዘራረበሎም ጽቡቕ ዝኾኑ ሕቶታትን ሓሳባትን ይህልወካ ይኸውን።  ዘለዉና ሕቶታትን ሓሳባትን ንሓድሕድና ብምክፋልን ብምስምማዕን፡ ሓቢርና ደገፍ ክንረክብን ክንመሃርን ንኽእል ኢና።

ጕጅለ ኣቑምካ ብዛዕባ እዞም ፊልምታት ክትዛረቡ ትደሊ ዲኻ? ኣብዚ ከመይ ክትገብር ከም ትኽእል ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።

ተዛመድቲ ፊልምታት

ኵሉ ፊልምታት ኣርኢ