ኣካላት፡ ጥዕናን ጾታውነትን ብዝተፈላለየ ቋንቋታት

ሕማማት ወሲብ

Sexually transmitted infections

ብዛዕባ እዚ ፊልም

ኣብዛ ብዛዕባ ሕማማት ወሲብ እትገልጽ ፊልም፡ ብዛዕባ ብጾታዊ ርክብ ክመሓላለፉ ዝኽእሉ ንኣብነት ከም ክላሚድያ፡ ሀርፐስን ኤች.ኣይ.ቪን ዝኣመሰሉ ሕማማት ሓበሬታ ክወሃበካ እዩ። ዝተፈላለዩ ሕማማት ከመይ ገይሮም ከም ዝመሓላለፉን፡ ኮንዶም ተጠቂምካ ንነብስኻ ከመይ ጌርካ ከም ትከላኸለላን እውን ክትፈልጥ ኢኻ። ከምኡ’ውን ሕማም ወሲብ ከይህልወካ ንምምርማር ምስ መን ርክብ ከም ትገብር ሓበሬታ ክወሃበካ እዩ።

ድሕሪ ፊልም ክትሓስብሉ ዘለኪ ሕቶታት

  1. እዚ ፊልም ቅድሚ ሕጂ ዘይትፈልጥዮ ዝነበርኪ ገለ ትሕዝቶ ኣለዎ ድዩ?
  2. ብዛዕባ ሕማማት ወሲብ ብዙሕ ብሂልን ከይፈለጥካ ዝዝረብን ኣሎ። ሕማማት ወሲብ ብምስዕዓም፡ ብምትሕቝቓፍ፡ መግቢ ብምክፋልን ሓደ ዓይኒ-ምድሪ ብምጥቃምን ኣይተሓላለፍን እዩ። ንከምዚ ዓይነት ብሂል ከመይ ገርና ክንቃወሞ ንኽእል?
  3. ኮንዶም ጽቡቕ ገይሩ ካብ ሕማማት ወሲብ ይከላኸል እዩ። ምስ መጻምድትኻ ከመይ ገርካ ብዛዕባ ውሑስ ጾታዊ ርክብ ክትዘራረብ ትኽእል? ኮንዶም ንምጥቃም ሓሳብ ተቕርበሉ ገለ ጽቡቕ ሜላ ኣሎ’ዶ? 

ብዛዕባ እቲ ዝርኣካዮ ፊልም ክትዛረብ ትደሊ’ዶ?

ብዛዕባ እቲ ፊልም ምስ ካልእ ሰብ ምዝራብ ኣገዳሲ ኮይኑ ከም ዝስምዓካን ሓድሽ ርድኢት ክህበካን ይኽእል እዩ። ምናልባት ኣብ ክንዲ በይንኻ ኴንካ ትሓስበሎም ምስ ካልኦት ክትዘራረበሎም ጽቡቕ ዝኾኑ ሕቶታትን ሓሳባትን ይህልወካ ይኸውን።  ዘለዉና ሕቶታትን ሓሳባትን ንሓድሕድና ብምክፋልን ብምስምማዕን፡ ሓቢርና ደገፍ ክንረክብን ክንመሃርን ንኽእል ኢና።

ጕጅለ ኣቑምካ ብዛዕባ እዞም ፊልምታት ክትዛረቡ ትደሊ ዲኻ? ኣብዚ ከመይ ክትገብር ከም ትኽእል ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።

ተዛመድቲ ፊልምታት

ኵሉ ፊልምታት ኣርኢ