ኣካላት፡ ጥዕናን ጾታውነትን ብዝተፈላለየ ቋንቋታት

ሕርሲ

Giving birth

ብዛዕባ እዚ ፊልም

እዛ ብዛዕባ ሕርሲ እትገልጽ ፊልም፡ ኣብ ሽወደን ቈልዓ ክትወልዲ ከለኺ ማለት ካብቲ ሕማም ሕርሲ ዝጀመረሉ ክሳብ እቲ ህጻን ዝውለደሉ ብኸመይ ከም ዝፍጸም እያ እትገልጽ። ከመይ ገርኪ ከም ትቀራረቢ፡ ከምኡ’ውን ተገሪዝኪ ወይ ተኸንሺብኪ እንተ ዄንኪ ቅድሚ እቲ ሕርሲ እንታይ ዓይነት ሓገዝ ክትረኽቢ ከም እትኽእሊ ክትፈልጢ ኢኺ። ብመጥባሕቲ እንተ ዄንኪ ክትሓርሲ፡ ብኸመይ ከም ዝግበር እውን ሓበሬታ ክወሃበኪ እዩ።

ድሕሪ ፊልም ክትሓስብሉ ዘለኪ ሕቶታት

  1. ብዛዕባ ሕርሲ ክትፈልጥዮ ብዝያዳ ኣገዳሲ እዩ ትብልዮ እንታይ እዩ?
  2. ገሊኣን ቅድሚ ሕርሰን ሻቕሎትን ጭንቀትን ይስምዐን እዩ። ምኽንያት ናይ’ዚ እንታይ ክኸውን ይኽእል? ቅድሚ ሕርሲ ነቲ ዝስምዓኪ ፍርሕን ጭንቀትን ብኸመይ ከተጉድልዮ ትኽእሊ?
  3. ኣብ እዋን ሕርሲ ብዝተኻእለ መጠን ውሕስነት ንኽስምዓኪ እንታይ ክትገብሪ ትኽእሊ? እታ መሕረሲት እንታይ ክትገብር ትኽእል? መጻምድቲ እንታይ ክገብር ይኽእል?

ብዛዕባ እቲ ዝርኣካዮ ፊልም ክትዛረብ ትደሊ’ዶ?

ብዛዕባ እቲ ፊልም ምስ ካልእ ሰብ ምዝራብ ኣገዳሲ ኮይኑ ከም ዝስምዓካን ሓድሽ ርድኢት ክህበካን ይኽእል እዩ። ምናልባት ኣብ ክንዲ በይንኻ ኴንካ ትሓስበሎም ምስ ካልኦት ክትዘራረበሎም ጽቡቕ ዝኾኑ ሕቶታትን ሓሳባትን ይህልወካ ይኸውን።  ዘለዉና ሕቶታትን ሓሳባትን ንሓድሕድና ብምክፋልን ብምስምማዕን፡ ሓቢርና ደገፍ ክንረክብን ክንመሃርን ንኽእል ኢና።

ጕጅለ ኣቑምካ ብዛዕባ እዞም ፊልምታት ክትዛረቡ ትደሊ ዲኻ? ኣብዚ ከመይ ክትገብር ከም ትኽእል ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።

ተዛመድቲ ፊልምታት

ኵሉ ፊልምታት ኣርኢ