ኣካላት፡ ጥዕናን ጾታውነትን ብዝተፈላለየ ቋንቋታት

ብልዕቲ ጓለንስተይቲ

Female genitals

ብዛዕባ እዚ ፊልም

ኣብዛ ብዛዕባ ብልዕቲ ጓልንስተይቲ ትገልጽ ፊልም፡ ሕምሲን ርሕሚን ከመይ ከም ዝመስልን ብኸመይ ከም ዝሰርሕን ክትፈልጢ ኢኺ። ከምኡ’ውን ስምዒትኪ ክለዓለኪ ከሎ ኣብ ብልዕቲ እንታይ ከም ዘጋጥም፡ ግዝረት ወይ ምኽንሻብ ጓለንስተይቲ እንታይ ማለት ምዃኑን ኣብ ምሉእ ህይወት ብልዕቲ ብኸመይ ከም ዝቀያየርን ክትመሃሪ ኢኺ።

ድሕሪ ፊልም ክትሓስብሉ ዘለኪ ሕቶታት

  1. እዚ ፊልም ቅድሚ ሕጂ ዘይትፈልጥዮ ዝነበርኪ ገለ ትሕዝቶ ኣለዎ ድዩ? ስለምንታይ እዩ ብዛዕባ ጾታዊ ኣካላት ኣፍልጦ ክህልወካ ጽቡቕ?
  2. ብቋንቋኺ ንብልዕቲ ኣዋልድን ብልዕቲ ኣንስትን ዝገልጹ ኣየኖት ቃላት ኣለዉ? እቶም ዝተፈላለዩ ቃላት ኣብ ዝተፈላለየ ኵነታት ክትጥቀመሎም ትኽእል’ዶ? ኣየናይ ወይ ኣየኖት ቃላት ኢኺ ትጥቀሚ?
  3. ንገሊኤን ደቂ ኣንስትዮ ሕምሰን ከመይ ከም ዝመስል፡ ከመይ ከም ዝሽትት ወይ ዝጥቕም የሕፍረን ወይ የጨንቐን እዩ። እዚ ንጾታዊ ርክብ ንኸተስተማቕሮ የኽብዶ እዩ። ከምዚ ዓይነት ስሚዒት ንኸቋርጽ እንታይ ክትገብሪ ትኽእሊ?

ብዛዕባ እቲ ዝርኣካዮ ፊልም ክትዛረብ ትደሊ’ዶ?

ብዛዕባ እቲ ፊልም ምስ ካልእ ሰብ ምዝራብ ኣገዳሲ ኮይኑ ከም ዝስምዓካን ሓድሽ ርድኢት ክህበካን ይኽእል እዩ። ምናልባት ኣብ ክንዲ በይንኻ ኴንካ ትሓስበሎም ምስ ካልኦት ክትዘራረበሎም ጽቡቕ ዝኾኑ ሕቶታትን ሓሳባትን ይህልወካ ይኸውን።  ዘለዉና ሕቶታትን ሓሳባትን ንሓድሕድና ብምክፋልን ብምስምማዕን፡ ሓቢርና ደገፍ ክንረክብን ክንመሃርን ንኽእል ኢና።

ጕጅለ ኣቑምካ ብዛዕባ እዞም ፊልምታት ክትዛረቡ ትደሊ ዲኻ? ኣብዚ ከመይ ክትገብር ከም ትኽእል ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።

ተዛመድቲ ፊልምታት

ኵሉ ፊልምታት ኣርኢ