ሓደ ናይ ዘተ ጕጅለ ንምብጋስ ከምዚ ዝስዕብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ
Here's what you can do to start a discussion group
ኵሎም ሰባት ኣብ ልዕሊ ኣካላቶምን ጾታውነቶምን ክውስኑን ከስተማቕሩን ንኽኽእሉ ነጢፍካ ክትሳተፍ ትደሊ’ዶ? ሓደ ናይ ዘተ ጕጅለ ኣበጊስካ ብዛዕባ እዞም ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ዘለዉ ፊልምታት ምስ ካልኦት ተዘራረብ! ንምብጋስ ዝሕግዝ ምኽሪ ኣብዚ እንሆ፦
1. ሓደ ጕጅለ ኣኽብ
ንዓርከ መሓዛ፡ መሳርሕቲ ወይ ጎረባብቲ ክሳተፉ ዝደልዩ እንተ ኾይኖም ሕተቶም። ኣበይን መዓስን ከም ትራኸቡ ወስኑ። ኣየኖት ፊልምታት ከም ትርእዩን ነቲ ፊልምታት ቅድሚ ምርኻብኩም በበይንኹም ዲኹም ወይ ብሓባር ኣብ ኣኼባኹም ትርእይዎም ምረጹ።
2. ነቲ ዘተ ዝመርሖ ምረጹ
ንስኻ መራሕ ዘተ ነቲ ዘተ ትመርሖን ንምይይጥ ተተባብዕን። ንኣብነት ሓደ ክፉት ሕቶ ሓቲትካ ኵሉ ሰብ ገለ ከም ዝብልን ትገብር።
3. ብዛዕባ እቶም ፊልምታት ሓቢርኩም ተዛረቡ
ነቶም ፊልምታታ ድሕሪ ምርኣይኩም ሓሳብኩም ተለዋወጡ። ነፍስ ወከፍ ፊልም ንስኻ መራሕ ዘተ ነቲ ዘተ ንምምራሕ ክትጥቀመሉ እትኽእል ሕቶታት ኣለዎ። ዝኾነ ሰብ ክምልሶ ዘይኽእል ሕቶ ምስ ዝህልወኩም፡ ብሓባር መልሱ ክትረኽቡ ክትፍትኑ ትኽእሉ ኢኹም።
4. ናይ ቀጻሊ ኣኼባኹም መደብ ኣውጽኡ
ኣብ ቀጻሊ መዓስን ኣበይን ከም ትራኸቡን፡ ሽዑ ብዛዕባ ኣየኖት ፊልምታት ከም ትዛረቡን ወስኑ። ከምኡ’ውን ቀጻሊ ኣኼባ ዝሓሸን ዘተኣማምንን ንኽኸውን ገለ ክትገብርዎ ትኽእሉ ነገር እንተ ኣሎ ኮይኑ ተዘራረቡ።