ኣካላት፡ ጥዕናን ጾታውነትን ብዝተፈላለየ ቋንቋታት

ገራዚቶ

The vaginal corona

ብዛዕባ እዚ ፊልም

ኣብዛ ብዛዕባ ገራዚቶ እትገልጽ ፊልም፡ ክፍተት ርሕሚ ከመይ ከም ዝመስል ሓበሬታ ክትረኽቢ ኢኺ። ንኽፍተት ርሕሚ ዝሽፍን ዝኾነ ኣካለ ድንግልና ዝብሃል የለን። ነቲ ናይ ርሕሚ ክፍተት ኣብ  ክንድኡ ገራዚቶ ኢልና ኢና ንጽውዖ። ኣብቲ ናይ መጀመርታ ጾታዊ ርክብ እትፍጽምሉ ትደምዪ ኢኺ ዝብሃል ሓቂ ኣይኮነን። ከምኡ’ውን ጾታዊ ርክብ ዝፈጸምክን ዘይፈጸምክን ኣብ ርሕሚ ክርኣ ኣይከኣልን እዩ።

ድሕሪ ፊልም ክትሓስብሉ ዘለኪ ሕቶታት

  1. ኣብዚ ፊልም ገለ ዘይተጸበኽዮ ነገር ወይ ብፍሉይ ዝተንከፈሊ ነገር ኣሎ’ዶ?
  2. ገራዚቶ እንታይ’ዩ ኣበይ’ከ ይርከብ? ጾታዊ ርክብ ንኸተስተማቕሮ እንታይ የድሊ፡ ሽዑ ኣብ ርሕሚ እንታይ የጋጥም? 
  3. ኣዋልድን ኣንስትን መጀመርታ ግዜ ጾታዊ ርክብ ኣብ ዝፍጽማሉ ኵሉ ግዜ ይደምያ እየን ዝብሃል ሓቂ ኣይኮነን። ብሂል ብዛዕባ ኣካል ድንግልና፡ ርሕሚ ከመይ ከም ዝመስልን ከመይ ከም ዝሰርሕን  ግጉይ ርድኢት ኮይኑ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ጾታውነት ንምቍጽጻር እዩ ሰብ ዝጥቀመሉ። ደቂ ኣንትዮ ጾታዊ ርክብ ክፍጽማ ዝደልያ እንተ ዄይነን፡ ምዓስን ምስ መንን ክፍጽምኦ ከም ዝደልያ ባዕለን ክውስና ንኽኽእላ ብሓባር እንታይ ክንገብር ንኽእል?

ብዛዕባ እቲ ዝርኣካዮ ፊልም ክትዛረብ ትደሊ’ዶ?

ብዛዕባ እቲ ፊልም ምስ ካልእ ሰብ ምዝራብ ኣገዳሲ ኮይኑ ከም ዝስምዓካን ሓድሽ ርድኢት ክህበካን ይኽእል እዩ። ምናልባት ኣብ ክንዲ በይንኻ ኴንካ ትሓስበሎም ምስ ካልኦት ክትዘራረበሎም ጽቡቕ ዝኾኑ ሕቶታትን ሓሳባትን ይህልወካ ይኸውን።  ዘለዉና ሕቶታትን ሓሳባትን ንሓድሕድና ብምክፋልን ብምስምማዕን፡ ሓቢርና ደገፍ ክንረክብን ክንመሃርን ንኽእል ኢና።

ጕጅለ ኣቑምካ ብዛዕባ እዞም ፊልምታት ክትዛረቡ ትደሊ ዲኻ? ኣብዚ ከመይ ክትገብር ከም ትኽእል ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።

ተዛመድቲ ፊልምታት

ኵሉ ፊልምታት ኣርኢ