ኣካላት፡ ጥዕናን ጾታውነትን ብዝተፈላለየ ቋንቋታት

ጾታዊ ዓመጽ

Sexual violence

ብዛዕባ እዚ ፊልም

ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰብ ብዘይድልየቱ ዝኾነ ጾታዊ ነገር ምግባር፡ ንኣብነት ምስ ሓደ ሰብ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ማለት እዩ። ኣብዛ ብዛዕባ ጾታዊ ዓመጽ እትገልጽ ፊልም ኣብ እዋን ዓመጽን ድሕሪኡን ከመይ ግብረ መልሲ ክትገብሪ ከም ትኽእሊን ግዳይ ዓመጽ እንተ ኾንኪ ምስ መን ክትራኸቢ ከም ትኽእሊን ክትፈልጢ ክትኽእሊ ኢኺ። ከምኡ’ውን ናይ ሽወደን ሕጊ እንታይ ከም ዝብል ሓበሬታ ክትረኽቢ ኢኺ።

ድሕሪ ፊልም ክትሓስብሉ ዘለኪ ሕቶታት

  1. እዚ ፊልም ከመይ ተመኪርክዮ? ገለ ብፍሉይ ዝተንከፈኪ ነገር ኣሎ’ዶ?
  2. ሰብ ዋላ ምርዑው ይኹን ምስ መጻምድቱ ጾታዊ ናይ ግድን ጾታዊ ርክብ ክፍጽም የብሉን። ጾታዊ ርክብ ክፍጽም ኣይደልን እየ ምባል ብርቱዕ ክኸውን ይኽእል ድዩ? ከመይ ገርካ ከም ዘይትደሊ ክትነግርን ከተርእን ትኽእል? ንስኻ’ኸ እምቢ እንተ ትብሃል ከመይ ምተሰምዓካ፡ ብዝበለጸ ኣገባብ ከመይ ገርካ ምኣለኻዮ?
  3. ግዳይ ጾታዊ ዓመጽ ንዝኾነ ሰብ ብኸመይ ክትሕግዞ ትኽእል? ሓገዝ ኣበይ ክትረክብ ትኽእል?

ብዛዕባ እቲ ዝርኣካዮ ፊልም ክትዛረብ ትደሊ’ዶ?

ብዛዕባ እቲ ፊልም ምስ ካልእ ሰብ ምዝራብ ኣገዳሲ ኮይኑ ከም ዝስምዓካን ሓድሽ ርድኢት ክህበካን ይኽእል እዩ። ምናልባት ኣብ ክንዲ በይንኻ ኴንካ ትሓስበሎም ምስ ካልኦት ክትዘራረበሎም ጽቡቕ ዝኾኑ ሕቶታትን ሓሳባትን ይህልወካ ይኸውን።  ዘለዉና ሕቶታትን ሓሳባትን ንሓድሕድና ብምክፋልን ብምስምማዕን፡ ሓቢርና ደገፍ ክንረክብን ክንመሃርን ንኽእል ኢና።

ጕጅለ ኣቑምካ ብዛዕባ እዞም ፊልምታት ክትዛረቡ ትደሊ ዲኻ? ኣብዚ ከመይ ክትገብር ከም ትኽእል ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።

ተዛመድቲ ፊልምታት

ኵሉ ፊልምታት ኣርኢ