ኣካላት፡ ጥዕናን ጾታውነትን ብዝተፈላለየ ቋንቋታት

ጥንሲ

Pregnancy

ብዛዕባ እዚ ፊልም

እዛ ብዛዕባ ጥንሲ እትገልጽ ፊልም፡ ብኸመይ ከም እትጠንስን ኣየኖት መዓልታት ኣብ ወርሒ ጥንሲ ክትሕዚ ከም ትኽእልን እያ። እቶም ጥንስቲ ምዃንኪ ዝሕብሩ ምልክታት ከም ንኣብነት ኣጥባትኪ የሕመኪ፡ ዕግርግር የብለኪ ወይ ጻግነ ምምጻእ የቋርጸኪ ዝኣመሰሉ ኣየኖት ምዃኖም እውን ክትፈልጢ ኢኺ። ከምኡ’ውን ጥንስቲ ምዃን ኣቋሪጽኪ ነቲ ጥንሲ ክትንጽልዮ እንተ ደሊኺ እንታይ ክትገብሪ ከም እትኽእሊ ሓበሬታ ክትረኽቢ ኢኺ። 

ድሕሪ ፊልም ክትሓስብሉ ዘለኪ ሕቶታት

  1. እዚ ፊልም ቅድሚ ሕጂ ዘይትፈልጥዮ ዝነበርኪ ገለ ትሕዝቶ ኣለዎ ድዩ?
  2. ኣብ እዋን ጥንሲ ከመይ ክስምዓኪ ይኽእል? እንታይ ዓይነት ደገፍን ሓገዝን ከድልየኪ ይኽእል?
  3. ከም መጻምድቲ ናይ’ታ ነፍሰጾር ከመይ ክስምዓካ ይኽእል?

ብዛዕባ እቲ ዝርኣካዮ ፊልም ክትዛረብ ትደሊ’ዶ?

ብዛዕባ እቲ ፊልም ምስ ካልእ ሰብ ምዝራብ ኣገዳሲ ኮይኑ ከም ዝስምዓካን ሓድሽ ርድኢት ክህበካን ይኽእል እዩ። ምናልባት ኣብ ክንዲ በይንኻ ኴንካ ትሓስበሎም ምስ ካልኦት ክትዘራረበሎም ጽቡቕ ዝኾኑ ሕቶታትን ሓሳባትን ይህልወካ ይኸውን።  ዘለዉና ሕቶታትን ሓሳባትን ንሓድሕድና ብምክፋልን ብምስምማዕን፡ ሓቢርና ደገፍ ክንረክብን ክንመሃርን ንኽእል ኢና።

ጕጅለ ኣቑምካ ብዛዕባ እዞም ፊልምታት ክትዛረቡ ትደሊ ዲኻ? ኣብዚ ከመይ ክትገብር ከም ትኽእል ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።

ተዛመድቲ ፊልምታት

ኵሉ ፊልምታት ኣርኢ