ኣካላት፡ ጥዕናን ጾታውነትን ብዝተፈላለየ ቋንቋታት

ብልዕቲ ወዲ ተባዕታይ

Male genitals

ብዛዕባ እዚ ፊልም

ኣብዛ ብዛዕባ ብልዕቲ ወዲ ተባዕታይ ትገልጽ ፊልም፡ መትሎን ኣስኪትን ከመይ ከም ዝመስልን ብኸመይ ከም ዝሰርሕን ክትፈልጥ ኢኻ። ምኽንሻብ ወዲ ተባዕታይ እንታይ ማለት ምዃኑን ኣብ ምሉእ ሂወት ብልዕቲ ብኸመይ ከም ዝቀያየርን ክትፈልጥ ክትክእል ኢኻ። ከምኡ’ውን ምውታር እንተ ኣብዩካን ምኽንያቱ ንምፍላጥን ምስ መን ርክብ ክትገብር ከም እትኽእል ክትፈልጥ ኢኻ።

ድሕሪ ፊልም ክትሓስብሉ ዘለኪ ሕቶታት

  1. እዚ ፊልም ቅድሚ ሕጂ ዘይትፈልጦ ዝነበርካ ገለ ትሕዝቶ ኣለዎ ድዩ? ስለምንታይ እዩ ብዛዕባ ጾታዊ ኣካላት ኣፍልጦ ክህልወካ ጽቡቕ?
  2. ኵሉ ጾታዊ ኣካላት ዝተፈላለየ መልክዕ እዩ ዘለዎ፡ ገሊኦም ግን መትሎኦም ከምቲ ዝድለ ዓቢ ኣይኮነን ኢሎም ይሓዝኑ ወይ ይጭነቑ። ስለምንታይ ከምኡ ይስምዖም? ንሓደ ከምዚ ዝስምዖ ሰብ ከመይ ገርካ ክትሕግዞ ትኽእል?
  3. ስለምንታይ እዩ ብዛዕባ ጾታዊ ኣካላትን ጾታውነትን ምዝራብ ብርቱዕ ክኸውን ዝኽእል? ብዛዕባ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ጾታዊ ኣካልትን ናይ ደቂ ኣንስትዮን ጾታዊ ኣካላት ብሓደ ዓይነት ኣዘራርባ’ዶ ትዛረብ?

ብዛዕባ እቲ ዝርኣካዮ ፊልም ክትዛረብ ትደሊ’ዶ?

ብዛዕባ እቲ ፊልም ምስ ካልእ ሰብ ምዝራብ ኣገዳሲ ኮይኑ ከም ዝስምዓካን ሓድሽ ርድኢት ክህበካን ይኽእል እዩ። ምናልባት ኣብ ክንዲ በይንኻ ኴንካ ትሓስበሎም ምስ ካልኦት ክትዘራረበሎም ጽቡቕ ዝኾኑ ሕቶታትን ሓሳባትን ይህልወካ ይኸውን።  ዘለዉና ሕቶታትን ሓሳባትን ንሓድሕድና ብምክፋልን ብምስምማዕን፡ ሓቢርና ደገፍ ክንረክብን ክንመሃርን ንኽእል ኢና።

ጕጅለ ኣቑምካ ብዛዕባ እዞም ፊልምታት ክትዛረቡ ትደሊ ዲኻ? ኣብዚ ከመይ ክትገብር ከም ትኽእል ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።

ተዛመድቲ ፊልምታት

ኵሉ ፊልምታት ኣርኢ