ኣካላት፡ ጥዕናን ጾታውነትን ብዝተፈላለየ ቋንቋታት

ምስ ክብሪ እተተሓሓዘ ጭቈናን ዓመጽን

Honour-related violence and oppression

ብዛዕባ እዚ ፊልም

እዛ ብዛዕባ ክብሪ እትገልጽ ፊልም፡ ብዛዕባ ምስ ክብሪ እተተሓሓዘ ጭቈናን ዓመጽን እትገልጽ እያ። እዚ መቕርብ ወይ ኣባላት ስድራ ኣብ ናይ ካልእ ሰብ ኣካላት፡ ጾታውነትን ህይወትን ምስ ዝውስኑ እዩ። እዚ ሓደ ሓደ ግዜ ብምፍርራሕ፡ ሓይሊን ምግዳድን እዩ ዝትግበር። እዚ ማለት ምስ ዝደለኽዮ ሰብ ዝምድና ክትፈጥሪ፡ ቅድሚ መርዓ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽሚ ከም ትደልዪ ወይ ትፍጽሚ ኣይፍቀደክን ማለት እዩ። ከምኡ’ውን ናይ ሽወደን ሕጊ እንታይ ከም ዝብልን ሓገዝ ንምርካብ ምስ መን ክትራኸቢ ከም ትኽእሊን ክትፈልጢ ኢኺ።

ድሕሪ ፊልም ክትሓስብሉ ዘለኪ ሕቶታት

  1. ኣብዚ ፊልም ገለ ብዝያዳ ኣገዳሲ ትብልዮ ነገር ኣሎ ድዩ?
  2. ምስ ክብሪ ዝተተሓሓዘ ኣብ ሞንጎ ኣወዳትን ኣዋልድን ዘሎ ትጽቢታት ብኸመይ ይፈላለ? ብስም ክብሪ ንዝግበር ቍጽጽርን ጎነጽን ከመይ ገርካ ክትቃወሞ ትኽእል? ነታ ግዳይ ከመይ ገርካ ክትሕግዛ ትኽእል?
  3. ቈልዑ ኣብ ህይወቶም ክውስኑ መሰል ኣለዎም። ንኣብነት መንእሰያት ምስ መን ክኾኑ ከም ዝደልዩ ክመርጹን ውልቃዊ ህይወት ክህልዎምን መሰል ኣለዎም። ወላዲ ብዛዕባ እንታይ ክውስን ይኽእል፡ ውላድ’ከ?

ብዛዕባ እቲ ዝርኣካዮ ፊልም ክትዛረብ ትደሊ’ዶ?

ብዛዕባ እቲ ፊልም ምስ ካልእ ሰብ ምዝራብ ኣገዳሲ ኮይኑ ከም ዝስምዓካን ሓድሽ ርድኢት ክህበካን ይኽእል እዩ። ምናልባት ኣብ ክንዲ በይንኻ ኴንካ ትሓስበሎም ምስ ካልኦት ክትዘራረበሎም ጽቡቕ ዝኾኑ ሕቶታትን ሓሳባትን ይህልወካ ይኸውን።  ዘለዉና ሕቶታትን ሓሳባትን ንሓድሕድና ብምክፋልን ብምስምማዕን፡ ሓቢርና ደገፍ ክንረክብን ክንመሃርን ንኽእል ኢና።

ጕጅለ ኣቑምካ ብዛዕባ እዞም ፊልምታት ክትዛረቡ ትደሊ ዲኻ? ኣብዚ ከመይ ክትገብር ከም ትኽእል ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።

ተዛመድቲ ፊልምታት

ኵሉ ፊልምታት ኣርኢ