ኣካላት፡ ጥዕናን ጾታውነትን ብዝተፈላለየ ቋንቋታት

ግዝረት

Genital mutilation

ብዛዕባ እዚ ፊልም

ግዝረት ወይ ምኽንሻብ ጓለንስተይቲ፡ ናይ ሓንቲ ጓል ወይ ሰበይቲ ክፋል ብልዕቲ ቆሪጽካ ምእላይ ወይ ምጕዳእ ማለት እዩ። እዚ ኣብ ሽወደን ይዅን ኣብ ካልኦት ብዙሓት ሃገራት ክልኩል እዩ። ኣብዛ ፊልም ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ዓይነት ግዝረትን እቲ ከስዕቦ ዝኽእል ዓይነት ጸገማትን ብዝያዳ ክትፈልጢ ኢኺ። ብተወሰኺ ናይ ግዝረት ግዳይ ንዝኾንኪ ሓገዝ ንምርካብ ምስ መን ክትራኸቢ ከም ትኽእሊ እውን ክትፈልጢ ኢኺ።

ድሕሪ ፊልም ክትሓስብሉ ዘለኪ ሕቶታት

  1. እዚ ፊልም እንታይ ዓይነት ሓሳባት ወይ ስሚዒታት የልዕለልኪ?
  2. ድሕሪ ግርዘት ወይ ምኽንሻብ እውን ጾታዊ ድልየት ክስምዓኪ፡ ንጾታዊ ርክብ ከተስተማቕርዮን ጥርዘ ስምዒት ክስምዓክን ይኽእል እዩ። ዝተኸንሸብኪ ምስ እትኾኒ፡ እንታይ ኣሎ ንጾታዊ ርክብ እተስተማቕርሉ ኣገባብ?
  3. ወለዲ ጓሎም ክትክንሸብ ምስ ዘየድልዩ ግን ኣብ ከባቢኦም ዘለዉ ካልኦት ትጽቢቶም ከምኡ ምስ ዝኸውን፡ እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ? እቶም ወለዲ እንታይ ዓይነት ሓገዝ የድልዮም?

ብዛዕባ እቲ ዝርኣካዮ ፊልም ክትዛረብ ትደሊ’ዶ?

ብዛዕባ እቲ ፊልም ምስ ካልእ ሰብ ምዝራብ ኣገዳሲ ኮይኑ ከም ዝስምዓካን ሓድሽ ርድኢት ክህበካን ይኽእል እዩ። ምናልባት ኣብ ክንዲ በይንኻ ኴንካ ትሓስበሎም ምስ ካልኦት ክትዘራረበሎም ጽቡቕ ዝኾኑ ሕቶታትን ሓሳባትን ይህልወካ ይኸውን።  ዘለዉና ሕቶታትን ሓሳባትን ንሓድሕድና ብምክፋልን ብምስምማዕን፡ ሓቢርና ደገፍ ክንረክብን ክንመሃርን ንኽእል ኢና።

ጕጅለ ኣቑምካ ብዛዕባ እዞም ፊልምታት ክትዛረቡ ትደሊ ዲኻ? ኣብዚ ከመይ ክትገብር ከም ትኽእል ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።

ተዛመድቲ ፊልምታት

ኵሉ ፊልምታት ኣርኢ