ኣካላት፡ ጥዕናን ጾታውነትን ብዝተፈላለየ ቋንቋታት

ምንጻል ጥንሲ

Abortion

ብዛዕባ እዚ ፊልም

እዛ ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ እትገልጽ ፊልም፡ ነፍሰ ጾር እንተ ዄንኪ ግን ቈልዓ ክትወልዲ ዘይደሊኺ እንታይ ክትገብሪ ከም እትኽእሊ እያ። ምንጻል ጥንሲ፡ ንሓደ ጥንሲ ከም ዘቋርጽ ምግባሩ ማለት እዩ። ኣብ ሽወደን ኵለን ደቀንስትዮ ክሳብ ናይ ጥንሲ መበል 18 ሰሙን፡ ጥንሲ ናይ ምንጻል መሰል ኣለወን። ድሕሪኡ እውን ጥንሲ ክትንጽሊ ትኽእሊ ኢኺ፣ ሽዑ ግን ፍሉይ ምኽንያት ክህልወኪ የድሊ። ምንጻል ጥንሲ ሓደገኛ ኣይኮነን። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ህይወትኪ ዋላ ጥንሲ ነጽሊ ክትጠንስን ቈልዓ ክትወልድን ትኽእሊ ኢኺ። 

ድሕሪ ፊልም ክትሓስብሉ ዘለኪ ሕቶታት

  1. ኣብዛ ፊልም ንዓኺ ዝኸውን ገለ ሓድሽ ፍልጠት ኣሎ’ዶ?
  2. ምንጻል ጥንሲ ንምግባር ኣየናት ዕንቅፋታት ክህልዉ ይኽእሉ? 
  3. ምንጻል ጥንሲ ክትገብር ትደሊ ሰብ ሓደ ሓደ ግዜ ካብ ከባቢኣ ተቓውሞ የጋጥማ እዩ።  ንሓንቲ ኣብ ቀረባኻ ዘላ ሰብ ምንጻል ጥንሲ ክትገብር ኣብ ትደልየሉ እዋን ብኸመይ ክትሕግዛ ትኽእል?

ብዛዕባ እቲ ዝርኣካዮ ፊልም ክትዛረብ ትደሊ’ዶ?

ብዛዕባ እቲ ፊልም ምስ ካልእ ሰብ ምዝራብ ኣገዳሲ ኮይኑ ከም ዝስምዓካን ሓድሽ ርድኢት ክህበካን ይኽእል እዩ። ምናልባት ኣብ ክንዲ በይንኻ ኴንካ ትሓስበሎም ምስ ካልኦት ክትዘራረበሎም ጽቡቕ ዝኾኑ ሕቶታትን ሓሳባትን ይህልወካ ይኸውን።  ዘለዉና ሕቶታትን ሓሳባትን ንሓድሕድና ብምክፋልን ብምስምማዕን፡ ሓቢርና ደገፍ ክንረክብን ክንመሃርን ንኽእል ኢና።

ጕጅለ ኣቑምካ ብዛዕባ እዞም ፊልምታት ክትዛረቡ ትደሊ ዲኻ? ኣብዚ ከመይ ክትገብር ከም ትኽእል ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።

ተዛመድቲ ፊልምታት

ኵሉ ፊልምታት ኣርኢ