ኣካላት፡ ጥዕናን ጾታውነትን ብዝተፈላለየ ቋንቋታት

ኣብ ሽወደን ኣብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ልክዕ ቦታ ምርካብ

Finding your way in the Swedish healthcare system

ብዛዕባ ኣካላትን ጾታውነትን ሕቶታት ኣለካ ድዩ? ክትረኽቦ ትኽእል ብዙሕ ሓገዝን ደገፍን ኣሎ።

ክትጽዕኖ ትኽእል ጽሑፋት

መሰላት ኣብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና

ናበየናይ ማእከል ክንክን ጥዕና ክትከይድ ከም ትደሊ ባዕልኻ ክትመርጽ መሰል ኣለካ። ክትምዝገብን ማእከል ክንክን ጥዕናኻ ክትመርጽን ኣገዳሲ እዩ። ባንክ-ኢደ ምስ ዝህልወካ ብመንገዲ እቲ ኣብ 1177 ዘሎ ኣሌክትሮኒካዊ ኣገልግሎት ኣብ ዝተፈላለያ ክሊኒካት ቆጸራ ክትሕዝ ትኽእል ኢኻ።

መሰረታዊ ክንክን ጥዕና

መሰረታዊ ክንክን ጥዕና፡ ምስ ትሓምም እቲ መጀመርታ ትራኸቦ ቦታ እዩ። ንምኽሪ ኵሉ ግዜ ናብ 1177 ክትድውል ትኽእል ኢኻ። መሰረታዊ ክንክን ጥዕና በተን ንህጹጽ ዘይኮነ ጥዕናዊ ጸገማት ዝሕግዛኻ ማእከላት ክንክን ጥዕና ዝቖመ እዩ። ብጽኑዕ እንተ ሓሚምካ ናብ 112 ክትድውል ወይ ናብ ኣብ ሆስፒታል ዝርከብ ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት ክትከይድ ኣለካ።

ግዴታ ምስጢራውነት

ኵሎም ኣብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዝሰርሑ ግዴታ ምዕቃብ ምስጢር ኣለዎም።  እዚ፡ ናብኡ በጺሕካ ከም ዝነበርካ ንዝኾነ ኣካል (ንኣብነት ንፖሊስ፡ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ወይ ካልኦት) ክነግሩ ኣይፍቀዶምን ማለት እዩ።

ኣስተርጓሚ

ቋንቋ ሽወደን ዘይትዛረብ እንተ ዄንካ ናይ ኣስተርጓሚ መሰል ኣለካ። ናይ ምብጻሕካ ቆጸራ ክትሕዝ ከለኻ ኣስተርጓሚ ከም ዘድልየካ ሓብር። ምስ ሓኪም ቆጸራ ምስ ዝህልወካን ኣቐዲምካ ኣስተርጓሚ ዘይሓዝካ ምስ እትኸውንን፡ ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና ብተሌፎን ኣስተርጓሚ ንምርካብ ናብ ”ቶልክ ሰንትራለን” ክድውሉ ይኽእሉ እዮም።

ሓተትቲ ዕቑባን ብዘይ ፍቓድ ዝነብሩ ሰባትን

ኣብ ሽወደን ኵሎም ትሕቲ 18 ዓመት ቈልዑን መንእሰያትን ናይ ክንክን ጥዕናን ክንክን ስኒን መሰል ኣለዎም። ዕድሜኻ ልዕሊ 18 ዓመት ምስ ዝኸውን ዋላ ውልቃዊ ቍጽሪ መንነት (personnummer) ኣይሃልኻ ”ክጸንሕ ናይ ዘይክእል ሕክምና” ምርካብ መሰል ኣለካ። እዚ ካብ ህጹጽ ክንክን ጥራይ ንላዕሊ እዩ። ክንክን ኣብ እዋን ጥንሲን ሕርስን፡ ምንጻል ጥንሲን ከምኡ’ውን ምኽሪ መከላኸሊ ጥንስን እውን እዩ። ክንክን ዘድልየካ እንተ ኾይኑ ዝግምግሙ ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና እዮም። 

  • ኣብ ሽወደን ኵሎም ትሕቲ 18 ዓመት ቈልዑን መንእሰያትን ናይ ክንክን ጥዕናን ክንክን ስኒን መሰል ኣለዎም። ዕድሜኻ ልዕሊ 18 ዓመት ምስ ዝኸውን ዋላ ውልቃዊ ቍጽሪ መንነት (personnummer) ኣይሃልኻ ”ክጸንሕ ናይ ዘይክእል ሕክምና” ምርካብ መሰል ኣለካ። እዚ ካብ ህጹጽ ክንክን ጥራይ ንላዕሊ እዩ። ክንክን ኣብ እዋን ጥንሲን ሕርስን፡ ምንጻል ጥንሲን ከምኡ’ውን ምኽሪ መከላኸሊ ጥንስን እውን እዩ። ክንክን ዘድልየካ እንተ ኾይኑ ዝግምግሙ ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና እዮም።
  • ቍጽሪ ተሓካማይ (Reservnummer)። ብዘይ ፍቓድ ትነብርን ውልቃዊ ቍጽሪ መንነት ዘለዎ ካርድ መንነት ዘይብልካን ምስ እትኸውን፡ ናብ ሕክምና ክትከይድ ከለኻ ሓደ ቍጽሪ ተሓካማይ ክወሃበካ እዩ። እዚ ቍጽሪ ኣብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ጥራይ እዩ ዘገልግል። ክንክን ኣብ ትርኽበሉ ነፍስ ወከፍ እዋን ነታ ዝተዋህበትካ ቍጽሪ ተሓካሚ ክትጥቀም ፈትን።

ክፍሊት ተሓካማይ

ናብ ሕክምና ኣብ ትበጽሓሉ እዋን መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ ክፍሊት ክትከፍል ኢኻ። ነፍሰ ጾራት ናብ ክሊኒካት ነፍሰ ጾራትን ሓራሳትን ዝገብርኦ ምብጻሕ ካብ ክፍሊት ናጻ እዩ። መንሽሮ ኣብ ጡብ (ማሞ’ግራፊ) ከምኡ’ውን ኣብ ክሳድ ማህጸን (መርመራ ቅምሶ ዋህዮ) ከይህሉ ዝግበር መርመራታት ብናጻ እዩ። መርመራን ሕክምናን ናይ ዝበዝሑ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ብናጻ እዩ።

ኣገደስቲ ቍጽሪ ተሌፎናት

  • ኤስ.ኦው.ኤስ ጻውዒት ንህጹጽ ሓገዝ (ኣምቡላንስ): 112
  • ምኽሪ ብዛዕባ ሕክምናን ጥዕናን (ህጹጽ ዘይኮነ): 1177