እዚ ኣር.ኤፍ.ኤስ.ዩ. እዩ
This is RFSU
ዕማምና
ኣር.ኤፍ.ኤስ.ዩ. ኵሎም ሰባት ኣብ ልዕሊ ኣካላቶምን ጾታውነቶምን ነጻ ኾይኖም ንዝውስኑላን ዘስተማቕሩላን ዓለም ይሰርሕ። ነዚ ማሕበርና ኣብ 1933 ካብ ዝቐውምን ኣትሒዝና ዝጸዓርናሉ እዩ፦
“ነታ ኵሎም ዝተወልዱ ቈልዑ መርሓባ ዝበሃሉላ፡ ኵሎም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ማዕረ ዝኾኑላ፡ ከምኡ’ውን ጾታውነት መግለጺ ምዉቕ ስምዒት፡ ፍቕርን ምስትምቓርን ዝኾነላ መዓልቲ እሓልም ኣለኹ።”
– መስራቲት ኣር.ኤስ.ኤፍ.ዩ ኤሊሰ ኦቶሰን-የንሰን
ኣር.ኤፍ.ኤስ.ዩ ህይወት ደቂ ሰባት ክቕይርን ከመሓይሽን ይደሊ። ኵሎም ሰባት ኣብ ኣካላቶም፡ ዝምድናታቶምን ጾታውነቶምን ጽቡቕ ክስምዖም ኢና ንደሊ። መን ምዃንካን ኣበይ ከም ትነብርን ኣየገድስን እዩ። እዚ ንዅሉ ሰብ ክውን ክኸውን ኢና ንሰርሕ።
ብዛዕባ ኣር.ኤፍ.ኤስ.ዩ ብዝያዳ ክትፈልጥ ትደሊ ዲኻ? ኣብዚ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣሎ (ብእንግሊዝኛ)።
ኣባል ኩን!
ንስኻ ኣብ ሽወደን ትነብር ኣብ ኣር.ኤፍ.ኤስ.ዩ ኣባል ክትክውን ትኽእል ኢኻ (ብእንግሊዝኛ)። ከም ኣባል መጠን ኣካል ናይ’ቲ ኵሉ ሰብ ኣብ ኣካላቱ፡ ዝምድናታቱን ጾታውነቱን ጽቡቕ ክስምዖ መሰል ንኽህልዎ ዝግበር ጻዕሪ ኢኻ። ብተወሳኺ ዝያዳ ፍልጠትን ምሳና ንኽትሳተፍን ዕድል ትረክብ። ምስ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ማሕበራት ኣር.ኤፍ.ኤስ.ዩ (ብእንግሊዝኛ) ርክብ ግበር።
ኣር.ኤፍ.ኤስ.ዩ ኣባል ናይ ኣህጉራዊ ውድብ ኣይ.ፒ.ፒ.ኤፍ፡ ኣህጉራዊ ፈደረሽን ውጥን ስድራ ቤት እዩ። ካብ ሽወደን ወጻኢ እንተ ዄንካ ትነብር፡ ክትሳተፈሉ ትኽእል ኣብታ ትነብረላ ሃገር ወይ ዞባ ዝርከብ ኣባል ውድብ (ብእንግሊዝኛ) ክትደሊ ትኽእል ኢኻ።