ኣካላት፡ ጥዕናን ጾታውነትን ብዝተፈላለየ ቋንቋታት

ንጽፈ ጽግያት

Menopause

ብዛዕባ እዚ ፊልም

ጓለንስተይቲ ጻግነ ምምጻእ ምስ ኣቋረጻን ካብኡ ንደሓር ጥንሲ ክትሕዝ ዘይትኽለሉን ዘሎ እዋን፡ ንጽፈ ጽግያት ይብሃል። ኣብዛ ፊልም ኣብ እዋን ንጽፈ ጽግያት ኣብ ኣካላትን ጠባይን እንታይ ከም ዘጋጥም ክትፈልጢ ኢኺ። ከምኡ’ውን ነቶም ዝውቱራት ጸገማት ንኣብነት ብዙሕ ምስ ትርህጺ ወይ ርሕምኺ ዝነቐጸ ኾይኑ ምስ ዝስምዓኪ ከመይ ጌርኪ ከተዐግስዮምን ክትከናኸንዮምን ከም ትኽእሊ ኣፍልጦ ክትረኽቢ ኢኺ።

ድሕሪ ፊልም ክትሓስብሉ ዘለኪ ሕቶታት

  1. ኣብዚ ፊልም ገለ ዘይተጸበኽዮ ነገር ኣሎ’ዶ?
  2. ኵለን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ እዋን ንጽፈ ጽግያት ዝተፈላለየ ስሚዒት ይስምዓን። ኣብ ግዜ ንጽፈ ጽግያት ዝሓሸ ስሚዒት ንኽስምዓኪ ባዕልኺ እንታይ ክትገብሪ ትኽእሊ? ጸገም ምስ ዝገብረልኪ ሓገዝ ንምርካብ ናበይ ክትከዲ ትኽእሊ? 
  3. ኣብ እዋን ንጽፈ ጽግያት ጾታዊ ድልየት ክዛይድን ክንክን ይኽእል እዩ። ምስ ዕድመ ምድፋእ ናይ ግድን ወሲባዊ ህይወት ከብቅዕ ኣየድልዮን እዩ። ጸገም ድርቀት ርሕሚ ምስ ዝህልወኪ ንጾታዊ ርክብ ንኽትድሰትሉ እንታይ ክትገብሪ ትኽእሊ?

ብዛዕባ እቲ ዝርኣካዮ ፊልም ክትዛረብ ትደሊ’ዶ?

ብዛዕባ እቲ ፊልም ምስ ካልእ ሰብ ምዝራብ ኣገዳሲ ኮይኑ ከም ዝስምዓካን ሓድሽ ርድኢት ክህበካን ይኽእል እዩ። ምናልባት ኣብ ክንዲ በይንኻ ኴንካ ትሓስበሎም ምስ ካልኦት ክትዘራረበሎም ጽቡቕ ዝኾኑ ሕቶታትን ሓሳባትን ይህልወካ ይኸውን።  ዘለዉና ሕቶታትን ሓሳባትን ንሓድሕድና ብምክፋልን ብምስምማዕን፡ ሓቢርና ደገፍ ክንረክብን ክንመሃርን ንኽእል ኢና።

ጕጅለ ኣቑምካ ብዛዕባ እዞም ፊልምታት ክትዛረቡ ትደሊ ዲኻ? ኣብዚ ከመይ ክትገብር ከም ትኽእል ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።

ተዛመድቲ ፊልምታት

ኵሉ ፊልምታት ኣርኢ