ኣካላት፡ ጥዕናን ጾታውነትን ብዝተፈላለየ ቋንቋታት

ጾታዊ ድልየትን ምድሳትን

Desire and pleasure

ብዛዕባ እዚ ፊልም

እዛ ብዛዕባ ጾታዊ ድልየትን ምድሳትን ትገልጽ ፊልም፡ ብዛዕባ ምስ ካልኦት ብሓባር ከመይ ገርካ ደስ ዝብል ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም ከም እትኽእል እያ። ብዛዕባ ጉድበን ንምትንካፍ ስሚዒታውያን ዝኾኑ ካልኦት ክፋላት ኣካላት ኣየኖት ምዃኖምን ክትምሃር ኢኻ። ከመይ ገርካ ግብረ ሕቡእ ከም ትገብርን ምስ ነብስኻ ጾታዊ ርክብ ትፍጽምን እውን ክትፈልጥ ኢኻ።

ድሕሪ ፊልም ክትሓስብሉ ዘለኪ ሕቶታት

  1. ኣየኖት ክፋላት ናይዚ ፊልም እዮም ንኽትሓስበሎም ብዝያዳ ሰሓብትን ኣገደስትን ትብሎም?
  2. ኣብ ኣካላትና ኣየኖት ቦታታት እዮም ክትትንክፎም ጽቡቕ ስሚዒት ክህቡኻ ዝኽእሉ? ክንደይ ዝተፈላለዩ ቦታታት ክትረክብ ትኽእል?
  3. ድልየትን ምድሳትን ቀንዲ ክፋል ናይ ጾታዊ ርክብ ክኸውን ኣለዎ። ብዛዕባ ድልየት ንኽስምዓካ ዝምልከት ክእለት ኣብ መንጎ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝኾነ ፍልልይ የለን። ነቲ ደስ ዝብለካን ስሚዒትካ ዘለዓዕለልካን ከመይ ገርካ ክትድህስሶን ክትረኽቦን ትኽእል?

ብዛዕባ እቲ ዝርኣካዮ ፊልም ክትዛረብ ትደሊ’ዶ?

ብዛዕባ እቲ ፊልም ምስ ካልእ ሰብ ምዝራብ ኣገዳሲ ኮይኑ ከም ዝስምዓካን ሓድሽ ርድኢት ክህበካን ይኽእል እዩ። ምናልባት ኣብ ክንዲ በይንኻ ኴንካ ትሓስበሎም ምስ ካልኦት ክትዘራረበሎም ጽቡቕ ዝኾኑ ሕቶታትን ሓሳባትን ይህልወካ ይኸውን።  ዘለዉና ሕቶታትን ሓሳባትን ንሓድሕድና ብምክፋልን ብምስምማዕን፡ ሓቢርና ደገፍ ክንረክብን ክንመሃርን ንኽእል ኢና።

ጕጅለ ኣቑምካ ብዛዕባ እዞም ፊልምታት ክትዛረቡ ትደሊ ዲኻ? ኣብዚ ከመይ ክትገብር ከም ትኽእል ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።

ተዛመድቲ ፊልምታት

ኵሉ ፊልምታት ኣርኢ