ኣካላት፡ ጥዕናን ጾታውነትን ብዝተፈላለየ ቋንቋታት

ድሕሪ ሕርሲ ዘሎ ግዜ

After giving birth

ብዛዕባ እዚ ፊልም

ድሕሪ ሕርሲ መብዛሕትኡ ግዜ ብኣካላውን ኣእምሮኣውን መዳይ ዓቢ ምቅይያር ዘጋጥመሉ እዋን እዩ። ኣብዛ ፊልም ቈልዓ ምስ ወለድኪ ኣብ ኣካላት እንታይ ከም ዘጋጥም፡ ነቶም ልሙዳት ሕማማት ከመይ ጌርኪ ከም ተዐግስዮምን ድሕሪ ሕርሲ ጸገም ምስ ዘጋጥመኪ ምስ መን ርክብ ክትገብሪ ከም ትኽእሊን ክትፈልጢ ኢኺ።

ድሕሪ ፊልም ክትሓስብሉ ዘለኪ ሕቶታት

  1. ኣብዚ ፊልም ብፍሉይ ኣገዳሲ ኮይኑ ዝረኽብክዮ ነገር ኣሎ’ዶ?
  2. ሕርሲ ኣወንታዊን ኣሉታዊን ዝኾኑ ብዙሓት ስሚዒታት ከለዓዕል ይኽእል እዩ። ንሓንቲ ድሕሪ ሕርሳ ጽቡቕ ዘይስምዐ ዘሎ ሰብ ብዝበለጸ ብኸመይ ክትሕግዛ ትኽእል? ድሕሪ ሕርሲ ዘሎ ግዜ ነቲ ካልኣይ ወላዲ ከመይ ክኸውን ይኽእል?
  3. ድሕሪ ሕርሲ ስምዒት ድሌት ጾታዊ ርክብ ንዝተወሰነ ግዜ ውሕድ ክብል ልሙድ እዩ።  ቃንዛ፡ ወጥርን ድኻምን ነቲ ድልየት ክጸልዎ ይኽእል እዩ። ድልየት እንተ ዘይብልኪ ኮይኑ ንጾታዊ ርክብ ጨሪሽኪ ”ሕራይ” ክትብሊ የብልክን። ኣየኖይ ስሚዒታት እዮም ነቲ ዝወሓደ ድልየት ጾታዊ ርክብ ከለዓዕልዎ ዝኽእሉ? ምስ መጻምድትኻ ጾታዊ ርክብ ከይፈጸምኻ ብኸመይ ኣብ ጥቕኣ ወይ ጥቅኡ ንምዃን እንታይ ክትገብር ትኽእል?

ብዛዕባ እቲ ዝርኣካዮ ፊልም ክትዛረብ ትደሊ’ዶ?

ብዛዕባ እቲ ፊልም ምስ ካልእ ሰብ ምዝራብ ኣገዳሲ ኮይኑ ከም ዝስምዓካን ሓድሽ ርድኢት ክህበካን ይኽእል እዩ። ምናልባት ኣብ ክንዲ በይንኻ ኴንካ ትሓስበሎም ምስ ካልኦት ክትዘራረበሎም ጽቡቕ ዝኾኑ ሕቶታትን ሓሳባትን ይህልወካ ይኸውን።  ዘለዉና ሕቶታትን ሓሳባትን ንሓድሕድና ብምክፋልን ብምስምማዕን፡ ሓቢርና ደገፍ ክንረክብን ክንመሃርን ንኽእል ኢና።

ጕጅለ ኣቑምካ ብዛዕባ እዞም ፊልምታት ክትዛረቡ ትደሊ ዲኻ? ኣብዚ ከመይ ክትገብር ከም ትኽእል ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።

ተዛመድቲ ፊልምታት

ኵሉ ፊልምታት ኣርኢ