ኣካላት፡ ጥዕናን ጾታውነትን ብዝተፈላለየ ቋንቋታት

ብዛዕባ እዚ መርበብ ሓበሬታ

About the website

ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ብዛዕባ ኣካላት፡ ጥዕናን ጾታውነትን ሓበሬታ ትረክብ።  እቲ ሓበሬታ ካልእ ገዲፍካ ፊልምታት፡ ጽሑፋትን ማህደረ ቃላታን ዝሓዘ እዩ።

እዚ መርበብ ሓበሬታ በቲ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ማሕበር ኤር.ኤፍ.ኤስ.ዩ ዝተዳለወ እዩ።

ኤር.ኤፍ.ኤስ.ዩ. ስለምንታይ እዩ ነዚ መርበብ ሓበሬታ ኣዳልዩ?

ጾታውነት ኣካል ህይወትና ኾይኑ ንጽቡቕ ህላወናን ጥዕናናን ይጸልዎ እዩ። ጾታውነት ምንጪ ሓጎስን ዕግበትን ክኸውን እውን ይኽእል እዩ። 

ኤር.ኤፍ.ኤስ.ዩ. ኵሉ ሰብ ብዛዕባ ጾታዊ ጥዕና ኣብ ስነ ፍልጠት ዝተመርኮሰ ጽቡቕ ሓበሬታ ክረክብ መሰል ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለዎ። ብዛዕባ ጾታውነትን መሰላትካን ፍልጠት ምስ ዝህልወካ፡ ኣብ ህይወትካን ኣካላትካን እቲ ጽቡቕ ስሚዒት ዝህበካ ውሳነታት ክትውስን ዝዓበየ ተኽእሎ ኣለካ። 

ኣቐዲምካ ብዛዕባ ጾታውነት ክሳብ ክንደይ ከም ትፈልጥን ብዛዕብኡ እንታይ ስሚዒት ከም ዘለካን ኣየገድስን እዩ። ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ዘሎ ሓበሬታ ንዓኻ ጠቓሚ ክኸውን ተስፋ ንገብር።

ተሳተፍ!

ብዛዕባ ኣብቲ  ፍልምታት ዝረኣካዮ ምስ ካልኦት ሰባት ምዝራብ መሃሪ ክኸውን ይኽእል እዩ። ናይ ካልኦት ሰባት ሕቶታትን ርእይቶታትን ክንሰምዕ ከለና፡ ክንተሓጋገዝን ብሓባር ክንመሃርን ንኽእል ኢና።

ሓደ ጕጅለ ኣቒምካ ብዛዕባ እቶም ፊልምታት ክትዘራረቡ ትደሊ ዲኻ? ከመይ ክትገብር ከም ትኽእል ሓበሬታን ምኽርን ኣኪብና ኣለና። ብዛዕባ እቶም ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ዘለዉ ፊልምታት ምስ ካልኦት ብምዝርራብ፡ ኵሉ ሰብ ኣብ ኣካላቱን ጾታውነቱን ጽቡቕ ስሚዒት ክህልዎ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ኣበርክቶ ትገብር ኣለኻ።